ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምስ ኣሞኦም ሞይቶም ተረኺቦም

ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምስ ኣሞኦም ሞይቶም ተረኺቦም

Radio Erena: April 25, 2014

Adi quala

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፈተኑ ክልተ ኣሕዋት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ኣብ በረኻ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተሓቢሩ

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፈተኑ ሚኪኤል ክብሮምን ዮርዳኖስ ክብሮም ዝተባህለ ክልተ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ በረኻ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ምስ ስዳርቤት ቅርበት ዘለዎም ወገናት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እዞም 8ን 12ን ዓመት ዝዕድሚኦም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋት ወላኹ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሬስኦም ኣብ ዝተረኽበሉ ብኣራዊት ተበሊዑ ከምዝጸንሐ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

ምስዞም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣሞ’ኦም’ውን ሞይታ ተረኺባ ኣላ።

ጠንቒ ሞት እዞም ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፈተኑ ኤርትራውያን ብንጹር ኣይተፈልጠን።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0