ናብ ኡጋንዳ 80 ፓስፖርትታት ሒዙ ክኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ

Radio Erena: Sunday 19 June 2023

80 ፓስፖርታት ኣብ ሳንጣ ሒዙ፡ ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ናብ ኡጋንዳ ክኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ዓሊ ሓሰን ሂዳ ከምዝብሃልን ናይ ኤርትራ ዜግነት ከምዘለዎን ዝተጠቐሰ ውልቀሰብ፣ ብ13 ሰነ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ተሰኪምዎ ዝነበረ ሳንናጡ ኣብ ዝተፈተሸሉ እዋን’ዩ፣ 80 ፓስፖርታት ተረኺብዎም።

ዘ ኢንደፐንደንት ንኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ዓሊ ሓሰን ኣብ ሓደ ሳንጣ ሒዝዎ ዝጸንሐ 80 ፓስፖርታት፣ ብምሉኡ ናይ ኤርትራ’ዩ።

ናይ 80 ኤርትራውያን ፓስፖርታት ኣኪቡ ናብ ኡጋንዳ ዝኣትወሉ ዝነበረ ኩነታት ብፖሊስን ክፍሊ ኢምግሬሽንን መርመራን ምጽራይን ይካየደሉ ኣሎ።

ዛጊት ኣብ ዝተኻየደሉ መርመራ፣ ብዛዕባ ሃለዋት ወነንቲ ናይቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ፓስፖርታት ተሓቲቱ ዘዕግብ መልሲ ከምዝይሃበ’ዩ ተመልኪቱ።

ሰበ መዚ ኢምግሬሽንን ፖሊስን፣ ወነንቲ እቲ ፓስፖርታት ዝኾኑ 80 ኤርትራውያን፣ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ እንተደኣ ኮይኖም ንምርግጋጽ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

ካብ 35 ክሳብ 40 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከምዝነብሩ ጸብጻብ እታ ሃገር የመልክ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዝተዋፈሩ ኤርትራውያ እኳ እንተለዉ፣ መብዛሕቶም ግና ናብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን ንምስጋር ዝጽበዩ ዘለዉ’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0