ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ዝሓለነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ሞይቱ ተረኺቡ

Radio Erena: 25 May 2022

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ከባቢ ወደብ ካሌ፣ ካብ ዝረከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ፣ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ኣብ 11 ግንቦት፣ ተዓሺጋ ኣብ ዝነበረት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ፣ ንኣማውትኡ ዝምልከት ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ፖሊስ ፈረንሳ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፖሊስ፣ ናይቲ ሬሳኡ ኣብ መርመራ ከምዘሎ ዝገለጾ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንኣማውትኡ ዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ ጸብጻብ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ኣብ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ሰባት ብዝተኣከበ ሓበሬታ ግና ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል መረባብት ዜና ፈረንሳ ኣሚተን።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ መጀመርያ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ፣ ኣብታ መኪና ሞይቱ ከምዘሎ፣ ፈለማ ንፖሊስ ዝሓበሩ፣ ከምኡ ሓተቲ ዑቕባ’ዮም።

እታ መኪና፣ ንነዊሕ እዋን ተዓሺጋ ደው ዝበለት ምስ ምዃና፣ እቲ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ዝንገረሉ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብተደጋጋሚ ከም መሕደሪ ይጥቐመላ ምንባሩ፣ ኣብቲ ዞባ እትፍኖ ራድዮ ብሉ ጠቒሳ።

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ተኣኻኺቦም ይርከቡ።

ብሪጣንያ ብወገና፣ ካብ 1 ጥሪ 2022 ኣትሒዞም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከተግዕዞም ምዃና ተጠንቕቕ ኣላ።

ድሮ’ውን ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣስታት 50 ሓተቲ ዑቕባ ዘለዋ ቀዳመይቲ ጉጅለ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ትሸባሸብ ምህላዋ ኣፍሊጣ’ያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0