ሬሳ ናይተን ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝሞታ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ኣብ መበቆል ዓደን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

ሬሳ ናይተን ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝሞታ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ኣብ መበቆል ዓደን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

Radio Erena : 07 January 2015

3 sisters

ኣብ መፋርቕ ወርሕ መስከረም 2014 ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ንምስጋር ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ሞይተን ናይ ዝተረኽባ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ሬሳ ኣብ መበቆል ዓደን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ወለዲ ናይቶም ኣብቲ ብመንገዲ ቕሮራ ንምስጋር ዝሞቱ ብቅሕዱ 13 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ኩነታት ደቆም ንምጥያቓ ኣዋርሕ ኮለል ከምዝበሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተሓበሮም ይዝከር።

 

ይኹን’ምበር ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ሬሳ ከይተረከቡ’ዮም ጸኒሖም።

ዝሓለፈ ሰሙን ግና ናይተን ኣርያም፣ ሪታን፣ ሆሳንን ዝተባህለ ሰለስተ ኣሕዋት ሬሳ፣ ኣብ ከባቢ ሓደግቲ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ዓዲ ኣብ ዝተባህለ መበቆል ዓዲ ኣቡአን ተጋዳላይ ተስፋሃንስ ሓጎሶ ሓመድ ኣዳም ምልባሱ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣረጋግጾም።

ኣብቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰገነይቲ፣ ኣብ ሓደግቲ፣ ሓድሽ ዓዲ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ነበርቲ ዓድን ናይ ቀረባ ኣዝማድን ጥራይ ኣብ ዝተረኽብሉ ብዘይምውዕዋዕ ክቕበር ከምዝተገብረ’ዩ ዘመልክት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ነዘን ኣብ ጉዕዞ ስደተን ምስ 10 ብጾተን ዝሞታ ሰለስተ ኣሕዋት ኤርትራውያን ንምዝካር’ውን ብ 3 ጥሪ 2015 ኣብ ኣመሪካ ሎስ ኣንጀሎስ ፍሉይ መደብ ከምዝተኻየደ ን ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ኣጋጣሚ መልእኽቲ ምትሕልላፋን ተፈሊጡ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናይ 2014 ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ 16 ኤርትራውያን ሰለስተ ኣሕዋት ዝርከኦም 13 ሞይቶም ከምዝተረኽቡን ድሕሪ ናይ ኣስታት ሰለስረ ወርሒ ግዜ ከኣ ስድራቤታቶም ከምዝተረድኡን ኣብ ኣስመራን ወጻእን ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓበየ መዘራረቢ ኮይኑ እኳ እንተቀነየ፣ ንኣማውትኦም ዝምልከት ግና ንጹር ሓበሬታ የለን።

ሓያሎ ወገናት ካብ ምክትታል ሓለዋ ዶባት ብዝተተኮሰለን ጥይት ከምዝተቐትላ ክገልጻ እንከለዋ፣ ካልኦት ከኣ ዘስግረን ዝነበረ ሰበ ሓዲግወን ስለዝጠፍአ ብጽምእን ጥሜትን ተሰኒፈን ህይወተን ከምዝሓለፈ ይጠቕሱ።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0