ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዋንነታ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ጃልባ ደብዲበን

ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዋንነታ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ጃልባ ደብዲበን

Radio Erena: 10 September 2015

Boat yemen

ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትንቀሳቀስ ንዝነበረት ጃልባ ኣጥቂዐን።

እታ ካብ ገማግም ባሕሪ በርበራ ናይ ሶማል ናብ ገማግም ባህሪ ሞካ ናይ የመን ተምርሕ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ነዳዲ ዝተዋፈረት ምንባራ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።

ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበሩ 20 ህንዳውያን ሰራሕተኛታት፣ እቶም 13 ብህይወት ከምዘለዉን ናይ ሸውዓተ ግና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኣመልኪቱ።

 

እቲ ሚኒስትሪ፣ ንዋንነት እታ ጃልባን ሃለዋት ናይቶም ዜጋታቱን ብዝምልከት ተወሳኺ ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ሓቢሩ።

ህንዲ ኣብ የመን ዝነበሩ ልዕሊ 4 ሽሕ ዜጋታት ድሕሪ ምውጽኣ፣ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወት ይፍለጥ።

ብዘይ ኣፍልጦ ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥን ኔቶ ዝርከቦ መሻርኽትን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝንቀሳቐሳ ጀላቡን ናብ ክሊ ኣየር የመን ዝኣትዋ ነፈርትን መጥቃዕቲ ክፍነወለን ምዃኑ መጠንቐቕታ ምምሕልላፉ ኣይርሳዕን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0