ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ኣብ ጂቡቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 18 November 2021

ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ኣብ ጂቡቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ መርበብ ሓበሬታ ዲፈንስ ገሊጹ።

እቲ ነፈርቲ ውግእን ዓባይ ናይ ኵናት መርከብን ዘሳተፈ ሓባራዊ ልምምድ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝኽሰት ጸጥታዊ ሓደጋ፣ ኣብ ፍሉይ ተልእኾታት ንምውፋር ዝዓለመ ምዃኑ ኣዛዚ ስርሒታት እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሜጀር ጀነራል ግሪጎሪ ኣንደርሰን ገሊጹ።

ኣብ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ምክያዱ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት፣ ጸጥታ ንምርግጋእ ዘለና ተወፋይነት ዘጉልሕ’ዩ ክብል እቲ ጀነራል ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብቲ ብ11 ሕዳር ዝተኻየደ ልምምድ፣ ኣብ ደብዳብ ዝዋፈራ ክልተ B-1B Lancer bombers ክልተ F-35s ዝዓይነተን ነፈርትን ናይ ኣመሪካ፣ ክልተ Mirages ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ፈረንሳን፣ ክልተ ነፈርቲ ውግእን ሓንቲ ድማ ነፈርቲ ውግእ ክትስከም እትኽእል መርከብ ብሪጣንያን ምስታፈን’ዩ ተመልኪቱ።

እቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ብብሪጣንያ ዝተወደበ ኮይኑ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ቀዋሚ መዓስከር ዘለወን መሓዙት ሃገራት፣ ሓይልታተን ብምውህሃድ ኣብ ቅልጡፍ ስርሒታት ንኽሳተፋ ዘኽእለን ምዃኑ እቲ ምንጪ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ንኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ኢጣልያ፣ ስጳኛ፣ ጃፓንን ጂቡቲን ዝወከሉ ኣስታት 200 ዕዱማት፣ ኣብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ቀዋሚ መዓስከር ለሞንየ ተረኺቦም።

ኵናት ትግራይን ህሉው ሱዳንን ከምኡ ድማ እናተቓረበ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ሶማልን ክፈጥሮ ዝኽእል ተወሳኺ ዘይምርግጋእን ተደማሚሩ፣ ዝምዕብል ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዘሳቐለን ሃገራት ምዕራብ፣ ረብሓታተንን ድሕነት ዜጋታተን ንምሕላው፣ ምድላዋት የካይዳ ምህላወን ይግለጽ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0