ነፈርቲ ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ገፈፍቲ ዓሳ ቀቲለን

ነፈርቲ ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ገፈፍቲ ዓሳ ቀቲለን

Radio Erena: 22 August 2018

UAE Jet fighters

ሕቡራት ኢማኣት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 13 ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

መደበር ቴሌቪዥን ኣል ማሲራት ብዘቕረቦ ዜና፣ እተን ነፈርቲ ብ19 ነሓሰ፣ ኣብ ገማግም ወደብ ሖደይዳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ጀላቡ ድሕሪ ዘካየድኦ ጽዑቕ ደብዳብ’ዩ ሞትን መቑሰልትን የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ነፈፍቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ፣ ተደጋጋሚ እዋን ገፈፍቲ ዓሳ ግዳያት ክገብራ ጸኒሐን’የን።

ካብዞም ብደብዳብ ነፈርቲ ሕቡራ ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ገፈፍቲ ዓሳ፣ ዜጋታት ኤርትራ’ውን ከምዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ሖደይዳ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደባቲ ከተማ የመን ኮይና፣ ካብ ጫፍ ደቡባዊ ገማግማ ባሕሪ ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብዛ ከተማ እናተመላለሱ ናብርኦም ከምዝመርሑ’ዩ ዝንገር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዛ ወደብ ንእተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርትን ናይ መራኽብ መጥቃዕትን ካብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ እናተበገሰት ምዃና ይግለጽ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0