ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝብል ሓሳብ ብትሪ ተነቒፉ

ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝብል ሓሳብ ብትሪ ተነቒፉ

Radio Erena: 24 June, 2014

hima

ምክትል ሚኒስትሪ ፍትሕን ህዝባዊ ድሕነትን ነርወይ ሂማንሹ ጉላቲ ብዛዕባ ምምላስ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብዝምልከት ኣብ ኣስመራ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

እቲ በዓል ስልጣን ነርወይ ኣብ ኣስመራ ምስ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተዘራሪቡ ድሕሪ ምምላሱ ንማዕከናት ዜና ነርወይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣሳታት 500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ሓተቱ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ክምለሱ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት ምርድዳእ ከምዘድሊ ገሊጹ።

 

እንተኾነ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ነጥቢ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘድሊ ሂማንሹ ጉላቲ ጠቒሱ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ኔርወይ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ንሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝነጸጎም ኣስታት 500 ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ዩ መንግስቲ ነርወይ ዝሕብር።

እንተኾነ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵውያን’ውን ክህልዉ ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ንኤርራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም ዝብል ዓብላሊ መርገጺ ክሕዛ እንከለዋ፣ ነርወይ ግና ሕቶ ፖለቲካዊ ዑባ ዘይተቐበሎም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክምለሱ’ዩ ትብል ዘላ።

እዚ ናይ ነርወይ ሓሳብ ድማ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ወገናትን ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

ህንዳዊ መበቆል ዘለዎ ምክትል ሚኒስተር ፍትሒ ነርወይ ሂማንሹ ጉላቲ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ካብ ዘለዎም ፖለቲከኛታት እታ ሃገር’ዩ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0