ቻይና ሓይሊ ባሕሪ ናብ ጂቡቲ ልኢኻ

ቻይና ሓይሊ ባሕሪ ናብ ጂቡቲ ልኢኻ

china marine       

 Radio Erena: 12 July 2017

       ቻይና ወተሃደራዊ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ጂቡቲ ልኢኻ።
          ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ትማሊ 11 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ብዝተሰማማዓቶ መሰረት፣ ህዝባዊ ሰራዊት ንናጽነት ዝተባህለ ሓይሊ ባሕሪ ከምዝለኣኸት ኣፍሊጡ።

      ቀንዲ ዕማም’ቲ ዝለኣኽ ዘሎ ሰራዊት፣ ኣንጻር ቅርሰና ባሕሪ ዝካየድ ስርሒታት ንምሕጋዝ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ምዕራብ ኤስያን ዘካይዶ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምስላጥ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
      ኣብ ጂቡቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር እትውንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ምእታው ሰራዊት ቻይና ናብ ጂቡቲ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘለዋ ምግላጻ ይዝከር። በዚ መሰረት ኣብ 2001 ቁጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ትሽዓተ ሚእቲ ዝነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ 5 ሽሕ ክብ ኣቢላቶ ትርከብ።
        ኣመሪካ ንክራይ ወተሃደራዊ መዓስከር ለሞኔ ዓመታዊ 63 ሚልዮን ዶላር ንጂቡቲ ትኸፍል። ቻይና ብወገና 3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መስመር መንገዲ ባቡር ኣዲስ ኣበባ-ጂቡቲ ብናጻ ክትሰርሓላ ስምምዕ ፈሪማ’ያ።
         ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝያዳ ንጸጥታዊን ስለያዊን ሓበሬታ ስለእትጥቀመሉ፣ ወተሃደራዊ ህላዊ ቻይና ኣብቲ ዞባ፣ ሻቕሎት ክፈጥረላ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0