ቻይና፣ ኣብ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ 377 ወፍሪ ኢንዱስትርያዊ ፓርክታት ኣካይዳ

Radio Erena: 01 February 2021

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንጊ ዪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ናይጀርያ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ቦትስዋና፣ ታንዛንያን ሲሸልስን ዝተኻየደ ዑደት ናይቲ ሚኒስተር፣ ቻይና ኣብዘን ሃገራት ዝጀመረቶ ወፍርን ብሕጂ ዝህሉ መደባትን ብዝምልከት ንምምይያጥ’ዩ ኔሩ።

ቻይና፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ታንዛንያ፣ ብ1.6 ቢልዮን ዶላር መንገዲ ባቡር ናይ ምህናጽ ፕሮጀክት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ድማ ኣብ ኢንዱስትርያል ፓርክን ካልእን ዘተኮረ ናይ ቢልዮናት ወፍሪ ተካይድ ኣላ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ናይጀርያ 128፣ ኣብ ኢትዮጵያ 80፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 77፣ ኣብ ታንዛንያ 48፣ ኣብ ጋና ድማ 44፣ ብጠቕላላ ኣብዘን ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ 377 ወፍሪ ኢንዱስትርያዊ ፓርክታት ትውንን።

ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፣ ብዘይካ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ወፍሪ መደባት፣ ብዛዕባ’ቲ ሎሚ ዓመት ኣብ ሰኔጋል ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን-ቻይናን ብዝምልከት’ውን ምስ ሰበ ስልጣን እተን ሃገራት ተዘራሪቡ።

ምምስራት ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ፣ ወፍሪን ንግድን ንምትብባዕ፣ ከም ጽቡቕ ዕድል እትርእዮ ቻይና፣ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዋዕላ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከተተኩር ምዃና ይግመት።

ቻይና፣ ልዕሊ 20% ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ዘላ ወፍሪ፣ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክታት፣ ጸዓትን መጓዓዝያን እኳ እንተኾነ፣ ሰደድ ከም መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ዝኣመሰለ ተራ ፍርያት ቻይና ናብ ኣፍሪቃ ንምዕባይ’ውን ትደፍኣሉ ከምዘላ ይፍለጥ።

ቻይና፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ልቓሕ እናሃበት፣ ብዕዳ ንቑጠባ ናይዛ ኣህጉር ንምዕብላል ትሰርሕ ከምዘላ’ያ ትውቀስ።

መንግስቲ ቻይና፣ ምስ ለበደ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ዕዳ ናይ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብኸፊል ካብ ወለድ ነጻ ኮይኑ ክጸንሕ ከምዝወሰነ’ዩ ዝገልጽ።

ናይጀርያ ምስ ቻይና እታ ዝበዝሐ ንግዳዊ ልውውጥ እተካይድ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፣ ዓመታዊ ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

እቲ 2 ቢልዮን ካብዚ፣ ናይጀርያ ናብ ቻይና እትልእኮ ነዳዲ’ዩ።

ካብ ቻይና ዝበዝሐ ዕዳ ካብ ዘዋህለላ ሃገራት ድማ ኢትዮጵያ ብኣስታት 12 ቢልዮን ዶላር ምስ ቀዳሞት ከምእትስራዕ ጸብጻባት ቁጠባ የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0