ቻይና፣ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ንምትግባር ሓያሎ ስምምዓት ትኽትም

ቻይና፣ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ንምትግባር ሓያሎ ስምምዓት ትኽትም

Radio Erena: 25 July 2016

China h

ቻይና፣ ብዘይካ’ቲ ኣቐዲማ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን እተሰላስሎ ዘሎ ሰፋሕቲ ናይ ዕደናን ህንጻን ፕሮጀክታት፣ ምስ መንግስታት እዘን ሃገራት ተወሳኺ ስምምዓት ንምኽታም ምስ ኣብ ቀጻሊ ዝርርባት ከምዘላ ተገሊጹ።

ዝሕለፈ ሰሙን ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ተመሳሳሊ ስምምዓት ከምዝኸተሙ፣ ምንጭታት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ቻይና፣ ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ ክልተ ናይ ዕደና ፕሮጀክታት ክትውንን እንከላ፣ ኣብ ሓያሎ ናይ ህንጻ ስርሓት’ውን ተዋፊራ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

 እታ ሃገር፣ 4 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ካብ ጅቡቲ ክሳብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ ምህናጽ ሻምብቖታትን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምትግባር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎ’ውን እብዚ ሳልስቲ’ዚ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ኣብ ሓባራዊ ዋዕላ ኮሚሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ጅቡትን’ዩ።

እቲ ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 14 ሓባራዊ ዋዕላ ኮሚሽን ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ንግዲ፣ ጸጥታ ኣገልግሎታት ወደብን ካልእ ብሓባራ ኣብ ክሰላሰሉ መደብ ተታሒዝሎም ዘሎ ፕሮጀክታትን ከምዝተመያየጠ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣስታት 80 ሚልዮን ዝግምገም ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ ንእተምጽኦ ይኹን ናብ ወጻኢ ንእትልእኮ ነገራት፣ ልዕሊ 98 ሚእታዊ ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ኣብ ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ’ዩ ዝምርኮስ።

እታ ሃገር ነቲ ብብዝሒ ካብ ወጻኢ ሃገራት እተእትዎ ከም ነዳዲ ዝኣመሰለ ነገራት፣ ካብ ወደብ ጅቡቲ ብወጥታ ሻምቖታት ብዝዝርጋሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ንምግባሩ መደባት ክህልዋ እንከሎ፣ ነቲ ካልእ ነገራት ኣብ ምልእኽን ምምጻእን ንምስላጡ ከኣ ካብ ጅቡቲ ክሳብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መንገዲ ባቡር ኣብ ምዝርጋሕ’ያ ትርከብ።

ንዝበዝሐ ናይዘን ክልተ ሃገራት ፕሮጀክታት እተተግብር ዘላ ቻይና ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ዝኾነ ምትእትታው ዘይብሉ ኣብ ንግድን ወፍርን ጥራይ ዘተኮረ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ እትኽተል ቻይና፣ ንዕዳጋን ወፍርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትብሕ ምህላዋ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0