ቻይና፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ግዳያት ዕዳ ከይትገብረን የሻቕል

ቻይና፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ግዳያት ዕዳ ከይትገብረን የሻቕል

ቻይና፣ ኣብ ኬንያ ብኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር፣ ሓዳስ ከተማ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዛ ካብ ከተማ ናይሮቢ ብዙሕ ዘይትርሕ ከተማ ብምወላ፣ ሓገዝን ልቃሕን መንግስቲ ቻይና ከምእትነጽ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ኣመልኪተን።

እንተኾነ እቲ ፕሮጀክት ናብ ግብሪ ዝሰጋገረሉ እዋን ኣየነጸራን።

ቻይና ብዘይካ’ዚ ኣብ ምሕዳስ መንገዲ ባቡር እታ ሃገር ተወሳኺ ፕሮጀክታት ኣለዋ።

ቻይናን ኬንያን ናይ ቢልዮናት ፕሮጀክታት ከምዘለወን ዝግለጽ ዘሎ፣ ወከልቲ መንግስቲ ቻይና ዝሓለፈ ቅነ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት’ዩ።

ኣቐዲሙ ብዝተበጽሐ ምርድዳ፣ ዓመታዊ ልዕሊ 100 ኬንያውያን ተማሃሮ ኣብ ቻይና ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ’ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ቻይና ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ሆስፒታላት፣ ማእከላት ሕክምናን ጽርግያታትን ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎ ካብ ጁባ ተሓቢሩ።

ቻይና፣ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን’ውን ናይ ቢልዮናት ፕሮጀክታት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ እቲ መደባት ብልቃሕን ምወላን ዝካየድ ዘሎ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ቻይና ኣብ ኤርትራ’ውን ኣብ ዕደና ዘተኮረ ወፍሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ኣውፈርቲ ዓለምና ዝኾነት ቻይና፣ ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ዘላ ወፍሪን ናይ ልምዓት መደባት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ግዳያት ክኢላታት ቁጠባ ይትንትኑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0