ቻይና፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ነክዩ

Radio Erena: 18 March 2020

ምልክታት እዚ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየላ ፋልመይቲ ሃገር ዝኾነት ቻይና፣ ምስፍሕፋሕ ለበዳ እቲ ሕማም ከምዝነከየ ትገልጽ ኣላ።

ብፍላይ ብከቢድ ዝተሃስየ ዞባ ሁበይን ከተማ ዉሃንን፣ ነዚ ዝሓለፈ ወርሒ ንቡር ህይወት ተሓሪምወን ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ለበዳ እቲ ሕማም ከምዝተገትአ ዝገልጹ ሰበ ስልጣን ቻይና፣ ህይወት ነበርቲ እቲ ዞባ ናብ ንቡር ክምለስ ጀሚሩ ምህላዉ የረድኡ።

ኣብ ቻይና ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2019 ኣትሒዙ ብዝተላብዐ ኮረና ቫይረስ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ክልከፉ እንከለዉ ህይወት ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ድማ ቐዚፉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ቁጽሪ ናይቶም መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ካብ ኣማኢት ናብ 10ታት ጥራይ ክወርድ ይረአ ኣሎ።

እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝወስደ ናይ ውሸባ መስርሕ ዕዉት ምዃኑ ቻይና ከም ኣብነት ክትቀርብ ከምእትኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቕስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0