ቻይናዊ ወናኒ ብልዮናት ዝለገሶ መመርመሪ ኮረና ቫይስ ኤርትራ ናብ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተላኢኹ

Radio Erena: 25 March 2020

ቻይናዊ ወናኒ ቢልዮናት ጃክ ማ ዝለገሶ መመርመሪ ኮረና ቫይረስ ናብ ኤርትራ ናብ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተላኢኹ።

እቲ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ዓሊ ባባ ዝኾነ ቻይናዊ በዓል ጸጋ ዝልገሶ ኣስታት 1 ሚልዮን መመርመሪ ናውቲ፣ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ኮይኑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ናብ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲን ግብጽን ከምዝልኣኾ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ናብ ሓያሎ ሃገራት መገሻታት ደው እኳ እንተበለት፣ እዚ ብሓገዝ ዝተለገሰ መድሃኒታት ግና ብፍሉይ ናይ ካርጎ ጽዕነት እቲ መንገዲ ኣየር ናብዘን ሃገራት ከምዝበጽሐ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝልኣኽ ብጽሒት ናይቲ መመርመሪ ናውቲ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከብጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0