ትግራይ፣ ጋዜጠኛታትን ተርጎምቲ ናይ ወጻኢ ሜድያን ይእሰሩ

Radio Erena: 03 March 2021

ኣብ ትግራይ፣ ምስ ዝተፈላለየ ኣህጉራውያን ሜድያታት፣ ከም ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተኣስሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብብ1 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ምእሳር እዞም ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ንኸይወጽእ፣ ፍርሒ ንምዝራእ ዝዓለመ’ዩ ክብል ወቒሱ።

ገለ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን፣ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ፣ ግርማይ ገብሩ፣ ተርጎምቲ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፣ ፋይናንሻል ታይምስን ካልእ ሜድያታትን ዝኾኑ ፍጹም ብርሃነ፣ ኣሉላ ኣኽሊሉን ታምራት የማነን ዝጠቐሰ እቲ ትካል፣ ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ጋዜጠኛ ግርማይ ገብሩ፤ ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ማእሰርቲ ብዘይዝኾነ ክሲ ሎሚ ከምዝተፈትሐ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ትግራይ፣ ገበናት ኵናት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ፣ ምጽራይ ክግበር ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንማዕከናት ዜና ዓለም ጸብጻብ ከቕርባ ናብቲ ክልል ክኣቱ ምዃነን እኳ እንተፈቐደ፣ ሓበሬታ ክህቡ ኣብ ልዕሊ ዝኽእሉ ትግራዎት ግና ጸቕጥን ምፍርራሕን የካይድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0