‘ትዊተር ጸግዒ ሓይልታት ትግራይ ሒዙ።’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግዓዊ ጥርዓን ኣቕሪቡ

Radio Erena: 03 November 2021

ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ዝዓበየ ማሕበራዊ ሜድያታታት ዝኾነ ትዊተር፣ ጸግዒ ሓይልታት ትግራይ ሒዙ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ።

እቲ ትካል፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ትዊተር ብተሪር ዝነቕፉ ወገናት፣ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ምውሳዱ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ከምዝመስረተ ንኣፈኛ ቢለን ስዮም ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ትዊተር፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኾኑ ድምጽታት ይዓብስ ኣሎ ዝበለት እታ ኣፈኛ፣ ናብቲ ትካል ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘቕረበ ኣረጋጊጻ።

እንተኾነ፣ እቶም ብትዊተር ተዓፊኖም ዝበለቶም፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ድምጽታት ብዝርዝር ኣይጠቐሰትን።

ትዊተር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ኵናት ትግራይን ብዝተሓሓዝ፣ ምስ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዘይሳነዩ፣ ንምጽውዋርን ክብርታትን ሕብረተሰብን ዝጻጸሩ፣ ግጭታት ዝትዅትዅን ካልእ ስነምግባር ዘይሓለዉን ዝበሎም ልጥፎታት ከምዝኣሊ ብወግዒ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ትካል፣ ከምዚኣም ዝኣመሰሉ ሓያሎ ተርእዮታት ንምውጋድ፣ ካብ ኢትዮጵያ፣ ብምትእስሳር ንዝመጹ ልጥፎታት ከምዘይራዩ ንምግባሮም፣ ቴክኒካዊ ምትዕርራይ ከምዝገበረ ቅድሚ ስለስተ ሰሙን ኣፍሊጡ’ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ኵናት ትግራይ፣ ኣብ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከም ትዊተር፣ ፌስቡክን ቲክቶክን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት፣- ዘለፋ፣ ግጭታት ዝዕድም፣ ሕብረተሰብ፣ ባህሊን መንነትን ዘቆናጽብን ካልእ ስነምግባር ዘይሓለወን ጽሑፋት ይኹን ምስልእን ስእልን ምልጣፍ ልሙድ ተርእዮ እናኾነ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0