ትሽዓተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝወደብኦ ናይ 24 ሰዓታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ረፋድ ጀሚሩ

ትሽዓተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝወደብኦ ናይ 24 ሰዓታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ረፋድ ጀሚሩ

Radio Erena: 06 December 2014

ethio

ትሽዓተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ዝወደብኦ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ- መስቀል ኣደባባይን ካልእ ክፋላታን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሎሚ 6 ታሕሳስ ጂሚሩ ክሳብ ጽባሕ 7 ታሕሳስ ን24 ሰዓታት ክቕጽል ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ከይዓርግ ኣማኢት ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ተዋፊሮም ምህላዎም ተፈሊጡ።

 

እተን ትሽዓተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደባ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሞክራስያዊ ስርዓተ ምርጫ ክኽተል ብምጽዋዕ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ደው ከብል’ውን እተን ተቓወምቲ ሰልፍታት ይጽውዓ ኣለዋ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0