29 ለካቲት፣ ኣብ 4 ዓመት ሓንሳብ ጥራይ እትመጽእ ፍሉይቲ ዕለት ኮይና ሓሊፋ

Radio Erena: 01 March 2020

ትማሊ 29 ለካቲት፣ ኣብ 4 ዓመት ሓንሳብ እትመጽእ ፍሉይቲ ዕለት ኮይና’ያ ሓሊፋ።

ወርሒ ለካቲት ኣብ 28 መዓልታት ክትውድእ እንከላ፣ ኣብ ነፍሲወከፍ 4 ዓመት ግና ሓንቲ መዓልቲ ትውሰኽ’ያ።

ኣብዛ ዕለት ዝውለዱ መብዛሕትኡ ግዜ ዕለት ልደቶም 28 ለካቲት ወይ ባሕቲ መጋቢት ከብዕሉ’ዮም ዝግደዱ።

በዚ ምኽንያት፣ 29 ለካቲት ዝተወልዱ ብፍሉይ እንኳዕ ናብ ሓቀኛ ዕለት ልደትኩም ኣብቅዓኩም ዝብሃለሉ ኣጋጣሚ’ዩ ኔሩ።

ወርሒ ለካቲት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ራብዓይ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ትውሰኸሉ ምኽንያት ክዝርዘር እንከሎ፣-

• ሓደ ዓመት: መሬት ኣብ ዙርያ ጽሓይ ዜራ ምሉእ ዑደት ክትገብር ዝወስደላ ግዜ’ዩ።
• ሓደ ዓመት ድማ 365 መዓልታት ዝሓቖፈት እያ። እንተኾነ መሬት ኣብ ዙርያ ጽሓይ ምሉእ ዑደት ክትገብር 365. 242189 መዓልታት 365 መዓልታት 6 ሰዓታት 48 ደቃይቕን 45 ካልኢትን ይወስደላ።
• ስለዚ’ምብኣር፣ ሓንቲ ዓመት 365 መዓልታት ጥራይ ዘይኮነት 365 መዓልታትን + ርብዒ መዓልትን እያ ማለት እዩ።
• ን 3 ዓመታት ዝተኣኻኸበ ረርብዒ (1/4) መዓልታት ኣብ ራብዓይቲ ዓመት ናብ ምሉእ መዓልቲ ስለዝድመር ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሓንቲ መዓልቲ ትውሰኻ ማለት’ዩ።
• እዛ ሓንቲ መዓልቲ እንተዘይወሲኻ ኣብ 100 ዓመት ናይ 24 መዓልታት ሕጽረት/ዋሕዲ መጋጠመ። እዚ ድማ ናይ ወቕትን ወርሕን ኣቆጻጽራ ምዝንባዕ ምፈጠረ። ነዚ ንምትዕርራይ እያ ድማ ለካቲት 29 ተወሲኻ።
• እዚ፤ ኣብ ግረጎርያን ዓውደ ኣዋርሕ ክኸውን እንከሎ ኣብ ናይ ግዝእ ወይ ኮፕቲክ ዓውደ ኣዋርሕ ድማ ኣብ 4 ዓመት ኣብ ጳጉሜን ሓንቲ መዓልቲ ትውሰኽ እያ።
• ኣብ ርእሲ’ዚ ሓንቲ መዓልቲ 24 ሰዓታት ዘይኮነ 23 ሰዓታትን 56 ደቒቕን 4 ካልኢትን ምዃና’ውን ክኢላታት ስነ-ቖዝሞስ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0