ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምዃና ተገሊጹ

ቱርኪ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 29 December 2017

turkey

ቱርኪ ኣብ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዋኪን ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምዃና ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

ቱርኪ፣ ነቲ ብዘይ ዝኾነ ንጡፍ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ገማግም ባሕሪ ስዋኪን ንወትሃደራዊ መዓስከር ክትጥቀመሉ ኣብ ስምምዕ ትበጽሕ ዘላ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጣይብ ኤርዶዋን ብ24 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት በሽር ድሕሪ ዝኸተምዎ ውዕል’ዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሶማል’ውን ተመሳሳሊ መዓስከር ዘቖመት ቱርኪ፣ ናብ ውሽጢ ቀይሕ ባሕሪ ክትኣቱ ምኽኣላ፣ ንስዑዲ ዓረብ ካልእ ስግኣት ክፈጥረላ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

 

ብመሰረት መግለጺ እቶም ተንተንቲ፣ ቱርኪ፣ ኣብ ሶማልን ሱዳንን ኣቑማቶ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከራት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ብሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጅቡቲን ኤርትራን ዝቖመ መዓስከራት ኮይኑ ብቀጠር ዝተመወለ’ዩ።

ኣብ ቀጠር ዝዓበየ መዓስከር ዘለዋ ቱርኪ፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ድሕሪ ናይ ሶማል፣ እዚ ናይ ሱዳን ሳልሳይ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ንቱርኪ ምስ ቀጠር ከምዝወገነት’ያ ትወቅስ።

ሱዳን ንቱርኪ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ምፍቃዳ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ምስ ስዑዲ ይኹን ቀጠር ጸግዒ ከይሓዘት እትገልጽ ሱዳን ቁጠባ እተዕብየሉ ዕድላት ‘ያ ትፍትሽ ዘላ ክብሉ’ውን እቶም ወገናት የረድኡ።

ሱዳን፣ ካብዚ ቱርኪ እተቑሞ ወትሃደራዊ መዓስከር 650 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ምዃና’ዩ ጸብጻብ ጋልፍ ኒውስ ዘመልክት።

እንተኾነ ቱርኪ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንሱዳን ክትከፍል ዓቕሚ ስለዘይብላ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብቀጠር ዝተኸፍለ’ዩ ክብል’ውን እቲ ማዕከን ዜና ግምታቱ ይህብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0