ቱርኪ ኣብ ሞቛድሾ መደበር ወትሃደራዊ ታዕሊም ከተቕውም’ያ

ቱርኪ ኣብ ሞቛድሾ መደበር ወትሃደራዊ ታዕሊም ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 15 January 2016

Turkey

ቱርኪ ኣብ ሶማል መደበር ወትሃደራዊ ታዕሊም ክትሃንጽ’ያ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ወትሃደራት መንግስቲ ሶማል ዝስልጥንሉ ማእከል ክትሃንጽ ምዃና ዘረጋገጸት፣ ኣብ መንጎ ቱርኪን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ፣ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ሓላፊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤመል ተኪን ገሊጻ።

ንሳ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መረዳእታ፣ እታ ኣብ ከባቢ ሞቛድስዕ ዝቐውም መደበር ወትሃደራዊ ታዕሊም፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹ ወትሃደራውት’ውን ስልጠና ክህብ ምዃኑ ጠቒሳ።

እንተኾነ ኣብዚ ብቱርኪ ዝህነጽ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንስልጠና ወትሃደራተን ዝልእካ ሃገራት ኣየነጸረትን።

 

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምህዳንን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝን ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቑፈ ሰራዊት ናብ ሶማል ካብ ዝልኣኻ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ይርከብአን።

ቱርኪ ብዘይካ’ቲ ምስ ሶማል ጀሚራቶ ዘላ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ እብ ጅቡቲ’ውን ተመሳሳሊ መደብ ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ቱርኪ ኣባል’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ንጻር ግብረ ሽበራ ምዃና’ውን ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0