ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ብሓማስ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመርን ክኹነንን ይሓቱ

Radio Erena: Thursday, 07 December 2023

ሓያሎ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፣ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምርመርን ክኹነንን ይሓቱ ኣለዉ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኤርዳን፡ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ንጾታዊ ዓመጽ ደቂንስትዮ ከም ኣጽዋር ኲናት ኮነ ኢሉ ከም ዝጥቀመሉ ገሊጹ።

እስራኤል ትማሊ ሰኑይ፣ ውድብ ሕቡራት ነቲ እስራኤል፣ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ዝብል ዘቕረበቶ ጸብጻብ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃቡ ከሲሳ።

ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝፍጸም ገበናት ኲናት ዝምርምር መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሓማስ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘድሃበን ንመርትዖታት ጻውዒት ከቕርብ ከምዝተዳለወን ሮይተርስ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።

ሓላፊ ኣህጉራዊ መርመራ ገበን ፖሊስ እስራኤል መኒ ቢንያሚን “ዓሰርተታት” ደቂ ኣንስትዮን ገለ ደቂ ተባዕትዮን ብዕጡቓት ሓማስ ከምዝተዓመጹ ገሊጹ።

ቢንያሚን ምስ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ መርመራ ሬሳታት ብምክያድ፣ ካብ ዝተማረኹ ወተሃደራት ሓማስ ዝተረኽበ መርትዖታትን ምስክርነትን ከምኡ’ውን ካብ ሕቡእ ካሜራ ዝተረኽበ ተንቀሳቐስቲ ስእልታት፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተረኽቡ ምስልታት እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዓመጽ ክረጋገጽ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0