ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት ኣብ ሳዋን ከባቢኣን ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፈሩ

ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት ኣብ ሳዋን ከባቢኣን ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፈሩ

Radio Erena: 11 July 2016

Sawa gfufat

ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ሳዋ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለው ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ካብ 3 ክሳብ 5 ሽሕ ዝተገመቱ፣ ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑን መብዛሕቶም መንእሰይ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም፣ ኣብት ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ፣ ኣብ ጽሬት፣ ምጥጣሕ መንገድን ናይ ሳዋ መአከቢ መድረኽብን ዝኣመሰለ ናይ ጉልባት ስራሕ’ዮም ተዋፊሮም ዝርከቡ።

ገሊኦም ካብቶም ኣብ ሳዋ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ፣ ካብ ካብ ሱዳንን ግብጺን ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

መንግስቲ፣ ብግፋ ንዝሓዞምን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተጠረዙን ወትሃደራውን ፖለቲካዊን ታዕሊም ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ከዋፍሮም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እዞም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሖም ኣብ ሳዋ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ መንእሰት፣ ነቲ ካብ 15 ክሳብ 17 ሓምለ ኣብቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝእንገድ ፌስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ ቅድመ ምድላዋት ንምግባር ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ንሻብዓይ ግዚኡ ክካየድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ፌስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ካብ ወጻኢ ንዝመጹ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ብስም ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት ብምዝናይ ገንዘብ ንምእካብን’ዩ።

እዚ ዓመታዊ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ፌስቲቫል፣ ንተዓላሞን እሱራትን ተወሳኺ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕን ጸቕጥን ዝፈጥረ ክኸውን እንከሎ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጹ ደገፍቲ ህግደፍ ግና ከም ዝበለጸ መዛነዩ ቦታ ከምዝወስድዎ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ ካብ 20 ሓምለ ኣትሖዝም ናብ ሳዋ ክወርዱ ጽኑዕ መጠንቐቕታ ተመሓላሊፉ።

እቲ መንግስቲ፣ ናይ 11 ክፍሊ ትምርቶም ዝዛዘሙ መንአያት ናብ ሳዋ ምውራድ ከይኣብዩን ብብዝሒ ከኣ ናብ ስግረዶብ ከየምርሑን ምስ ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፣ ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት’ቲ መንግስትን ይዘራረብ ምህላዉ’ውን ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭ ኢንተርነት

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0