ተደጋጋሚ ምፍራስ ጸጥታ የጋጥሞ ኣብ ዘሎ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናይ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተኣሲሮም

Radio Erena: 19 November 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝርከቡ ብውሕዱ ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይቲ ክልል ከምዝተኣስሩ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣቃሊሓ።

ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኮማንደር ኤዶሳ ጎሹ፣ ሓላፊ ርክባት ዞባ መተከል፣ ገበየሁ ጀጎዴን ከንቲባ ከተማ ግልገል በለስ፣ ሃብታሙ በልዳና ካብቶም ቀንዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይቲ ክልል’ዮም።

ብተደጋጋሚ እዋን ምፍራስ ጸጥታ የጋጥሞ ኣብ ዘሎ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ፣ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ጉምዝ፣ ህወሓትን ካልኦት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታትን ብፍላይ ድማ ምስ ሱዳን ርክብ ክህልዎም ይኽእል’ዩ ዝብል ክሲ ተመስሪትሎም ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብወግዒ ካብ ምሕባር ተቖጢቡ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዲጋ ተሃድሶ ዝርከበሉን ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ድማ ዝዳወብን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ፍሉይ እዚ ብምምዳብ፣ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ከምዝቐነየ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0