ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሶም

Radio Erena: 20 September 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘጽነሖም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ብሽበራዊ ንጥፈታት ከምዝኸሰሶም ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ብ19 መስከረም ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ዳግማይ ዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጭት፣ ኣብ ምስዋር ኢድ ኔሩኩም ብምባል ዝቐርብ ዘሎ እዚ ክሲ፣ እቶም 23 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣትዉ ሕጂ’ዩ ብወግዒ ዝንገር ዘሎ።

ከም ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፣ ጸጋየ ረጋሳ፣ ብርሃነመስቀል ኣበበ ዝርከብዎም እቶም ብሽበራ ተኸሲሶም ዘለዉ ውልቀሰባት፣ ቤት ፍርዲ፣ ገበነኛታት እዮም እንተ ኢሉ፣ ክሳብ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረዱ ከምዝኽእሉ፣ ክኢላታት ሕጊ እታ ሃገር ይገልጹ።

ጠበቓ ጀዋር መሓመድ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነቲ ወግዓዊ ክሲ፣ ከም ሰቡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ምስተዘርገሐ ብምርኣዩ ከምዘጉሃዮ ድሕሪ ምግላጽ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ደኣምበር መርትዖ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።

ኣብ እዋን’ቲ ዓሌታዊ ግጭት፣ ብውሑዱ 180 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ከኣ ከምዝቖሰሉ ዝዝከር’ዩ።

ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ጀዋር መሓመድ፣ ግቡእ ሕክምናዊ ረዲኤት ኣይግበረሉን ኣሎ ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካዪዱ ዝነበሩ ሰባት፣ ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ብዝኸፈቱዎ ተኹሲ፣ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ’ዩ ብወግዒ ከብቅዕ ኔሩዎ። እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ብምስግጋሩ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክንደይ እዋን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ’ዩ ብወግዒ ዝተሓበረ ነገር የለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እዚ ናይ ዞም ሰብ ስልጣናት ምእሳር!
    ከይ ደቅስና ዝሓልምናዮ እዩ ።
    መን ሚኻንካ ክፈልጥካስ ሚስ መን ከምትኸይድ
    ንገርኒ ዝብሃል ምስላ ከምዚ እዩ
    110* !!!ግዝየ ሚስ ውልቀ መላኺ
    ኪምላለስ ከሎ ተተመኽሩ ዝመጾ
    ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኣሎ።