ተቓወምቲ ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ንመጻረዪ ነዳዲ ንሳልሳይ ግዜ ደብዲቦም

ተቓወምቲ ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ከተማ ዓደን ንዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝደብደብዎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
    ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ሚሳይል፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብቀዳም ዝተደምሰሰ 2 ኣጋንእ ነዳዲ፣ ሕጂ’ውን ሳልሳይ ገንኢ ከምዝተቓጸለ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ማከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

    ኣብ ከተማ ዓደን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ስርሑ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ’ዩ። ብሰንክኡ ዘጋጠመ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ የመን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዘሎ ይንገር።
    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውረዶ ጉድኣት፣ ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ፣ ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣፍሊጡ።
    ባን ኪሙን ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳብ ዘካየደ ኣካል፣ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድን ግቡእ ፍርዱ ክወሃብን ኣሎዎ ኢሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0