ተሓጋጋዚት ዋ/ጸሓፊ እትመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራን ጅቡቲን በጺሑ

Radio Erena: 07 October 2019

ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኡርሰላ ሙለር እትመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ኤርትራን ጅቡቲን ምብጻሕ ኣካይዱ።

ሚስ ኡርሰላ፣ ኣብቲ ካብ 30 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓትሉ መዓልታት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምርኻብ፣ ብመሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰላሰል ዘሉ ናይ ልምዓት መደባት ዘትያ።

ካብ ኤርትራ ናብ ጅቡቲ ዘምርሐት ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊት ሕቡራት ሃገራት፣ ብተመሳሳሊ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተራኺባ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ናብ ኤርትራን ጅቡቲን ትበጽሕ ዘላ፣ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ መንግስታትን ግርጭታትን፣ 27 ሚልዮን ህዝቢ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ ኣብ ዝተገልጸሉ’ዩ።

ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ካብ ዘይክኣለ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና፣ እቲ 24% ኣብዚ ዞባ ከምዝርከብ ጸብጻብ ኢጋድ የመልክት።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0