ቦትስዋና፣ ልዕሊ 300 ሓራምዝ ብሃንደበት ዘጽነተ ምስጢር፣ መርዚ ሰበባ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 22 September 2020

ኣብ ቦትስዋና፣ ኣብ መጀመርያ’ዚ ዓመት’ዚ፣ ኣስታት 330 ሓራምዝ ብሃንደበት ዘጽነተ ምኽንያት መንቀሊኡ ሰበባ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ትማሊ ሰኑይ 21 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ብዝተኻየደ ምርምራዊ መጽናዕቲ፣ ጠንቂ ሞት ሓራምዝ፣ ሰበባ ዝመረዞ ማይ ስለዝሰተዩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

በቲ ‘ሳይኖባክተርያ’ ዝተሰምየ ታህዋስ፣ ብዘይካ ሓራምዝ ካልእ እንሳታት ከምዘይሞቱ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ሓርማዝ ከምዘለውዋ ዝንገረላ ቦትስዋና፣ ጃምላውን ሃንደበታውን ሞት ኣማኢት ሓራምዝ ኣሻቒሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ቦትስዋና ኣስታት 130 ሽሕ ሓራምዝ ከምዘለዉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0