ብጉዳይ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝተዓሸጋ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በጺሐን

ብጉዳይ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝተዓሸጋ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በጺሐን

Radio Erena: 27 December 2017

asmaraaa

ብጉዳይ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ በብእዋኑ ዝተዓሸጋ ናይ ብሕቲ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በጺሐን።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ኣስታት 300 ትካላት ተዓሽገን እኳ እንተነበራ፣ ድሕሪኡ ድማ ልዕሊ 78 ካልኦት ከምዝተወሰኻ ኣፍሊጦም።

እቲ ናይ ምዕሻግ ስጉምቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ’ውን ብሰፊሑ ከምዝቐጸለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እተን ትካላት ብዛዕባ’ቲ ዝኣከብኦ ናቕፋ መብርሂ ክህባን ጉዳየን ከጻርያን ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግዜ ተዋሂቡወን ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኣብ ትሕቲ’ዘን ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትርውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ስራሕ ተሪፎም ከምዘለዉ ብምምልካት ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንድኻታት ብዝያዳ ግዳይ ይግብሮም ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

መነባብሮ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብቲ ዝተሓተ ደረጅኡ እናወረደ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ንምቁጽጻር፣ ናይ ቁጠባ ሳይንስን ውሕሉል ኣገባብን ኣብ ክንዲ ዝኽተል፣ ትካላት ብኣልማማ ብጎነጽ ክዓጹ ምውሳኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተገዳስነት ከምዘይብሉ ዘጉልሕ’ዩ ክብሉ’ውን ኣመልኪቶም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0