ብደረጃ ዓለም ናብ ዝልዓለ ስልጣን መንግስትን ሃገርን ናይ ዝመጽኣ ዘለዋ ደቂንስትዮ ብዝሒ ይዛይድ

RADIO ERENA – Friday, 08 MArch 2024

ኣብ ዓመተ 2023- 2024፣ ብደረጃ ዓለም፣ 29 ደቂንስትዮ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኮይነን ህዝብታትን ሃገራተንን ኣብ ምግልጋል ይርከባ።

እዘን ደቂንስትዮ፣ ከም ከም ዓይነት ሃገራተን ዝምርሓሉ ስርዓተመንግስቲ። ገሊኤን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊኤን ድማ ናይ ፕረዚደንት ጽፍሒ ዝሓዛየን።

ሓሙሽተ ካብዘን ደቂንስትዮ፣ 54 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ የን ዘለዋ።

ብቀዳማይ ሚኒስስተር ኢትዮጵያ ኣብ እትምራሕ ሃገር፣ ፕረዚደንት ሳህለወቅር ዘውደ፣ ጽምብላዊ ስልጣን ክትሕዝ እንከላ፣ ብፕረዚደንት ኣብ እትምራሕ ሃገረኡጋንዳ ድማ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሮቢና ናማንጃ መራሒት መንግስቲያ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ፣ ሳምያ ስሉሁ ሓሰን፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቶጎ፣ ቪክትዋኽ ዶግበን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናሚብያ፣ ሳራ ኩኮንግዌላኣማዲላን እተን ዝተረፋ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ሃገርን መንግስቲን ዝርከባ ደቂንስትዮ ሃገራት ኣፍሪቃየን።

27 ኣባላት ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ እንተርኢና ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ ካብ ስልጣን ዝተኣልየት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ እትርከበን 9 ደቂንስትዮ ዝልዓለ መሪሕነትን ሃገራን መንግስቲን ይሕዛ።

ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ሃገርን መንግስትን ዘለወን ሃገራት ሕብረት፣ኢጣልያ፣ ደንማርክ፣ ግሪክ፣ ኢስቶንያ፣ ላትቪያ፣ ሊትዋንያ፣ ስሎቫክያን ስሎቬንያንየን።

ኤስያ ምስ ዘለዎ ስፍሓትን ብዝሒ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝወሓዳ ደቂንስትዮየን ኣብ ስልጣን ዝርከባ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላዲሽን ሸኽ ሓሲና ዋጅድ፣ ፕረዚደንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙ ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ታይዋን፣ ጻይ ኢንግዌን፣ ሰለስቲኤን ጥራይየን።

ብደቂንስትዮ ዝምራሕ ሃገርን መንግስቲን ዘለወን ካልኦት ሃገር ድማ፣ኒውዚላንድ፣ ፔሩ፣ ሰርብያ፣ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና፣ ጆርጅያ፣ ሆንዱራስ፣ ሃንጋሪ፣ ኣይስላንድ፣ ሞልዶቪኣ፣ ሳማኦ፣ ባርቤዶስን ትሪናዳድ ቶባጎንየን።

ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኾና 193 ሃገራት፣ ብዝሒ ኣብ ስልጣን ዘለዋ ደቂንስትዮ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ ዝርአ ዘሎ ለውጢን፣ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ብሓያል ናህሪ ኣብ ፖለቲካ ብዝልዓለ ይዋስኣን ወሳኒ ጽፍሕታትን ይሕዛን ከምዘለዋዩ ግሎባል ራይትስ ፎር ዉመን ዘመልክት።

ካብ መራሕቲ ሃግራትን መንግስታትን ወጻኢ፣ ብደረጃ ሚኒስተራት፣ ኣባላት ባይቶ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልእ ጽፍሕታትን ናይ ዝርከብ ብዝሒ ደቂንስትዮውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ወሰኽ የርኢ ከምዘሎ ዩ ዝምልከት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0