ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራን ኣጽዋርን፣ ኣብ ከባቢ ተንቤን፣ ሰለኽለኻን ውቕሮን ይተኣኻኸብ ኣሎ

Radio Erena: 08 June 2021

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ከባቢ ተንቤን፣ ሰለኽለኻ፣ ውቕሮ፣ ጭላን ጣንቓ በርገሊን ናብ ዝተባህለ ከባቢታትን ይተኣኻኸብ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኣኽሱምም ከባቢኣን ጥራይ ልዕሊ 80 ዝኾና ሰራዊትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝጸዓና መካይን ክንቐሳቐሳ ዝተዓዘቡ እቶም ምንጭታት፣ ዒላምኡ ከምዘይተነጸረ ገሊጾም።

እቲ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ክስሕብ’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ምስ ምህላዉ፣ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ዳግመ ውዳበ ሓይልታት ኣካይዱ ንጸረ መጥቃዕቲ ይዳሎ ኣሎ ንዝብሃል ህወሓት፣ ብኻልእ ሸነኽ ንምጥቅዑ ምዃኑ’ውን ከምዝስማዕ ኣንፊቶም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቖጻጸሮ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ፣ ናብ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ክበጽሕ እንከሎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ግና ኣብቲ ዝቖጻጸሮ ከባቢታት ናብ ህዝቢ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ከይበጽሕ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዓጊቱ ከምዘሎ’ውን ተመልኪቱ።
==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0