ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ተገሊጹ። ማልታ፣ ኢጣልያ፣ ስዊዘርላንድን ሽወደንን ኣቐዲመን ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ፣ ኣብተን ሃገራት ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ኤርትራዉያን ብዝሒ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

 

መንግስቲ ነርወይ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ ድማ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥርይ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነወርወይ ብ 29 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ዝሓበረ ጸብጻብ መንግስቲ እታ ሃገር፣ እቲ ዝበዝሐ ድማ ናይ ኤርትራውያን ምንባሩ’ዩ ኣረጋጊጹ።

እዛ ዓመት ክሳብ እትዛዘም ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣስታት 14 ሽሕ ክበጽሕ ምዃኑ ገሚቱ ዘሎ መንግስቲ ነርወይ፣ ኣቐዲሙ ምህናጽ ግዝያዊ መቐበል ስደተኛታት ዝኣመሰለ ምድላዋት የካካይድ ምህላዉ ይሕብር።

ነርወይ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝርኣየትሉ ዓመት ኣብ 2009 ኮይኑ ኤርትራ ካብ እትርከብን ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ 17 ሽሕ ስደተኛታት ኣብቲ እዋን እቲ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ጸብጻብ እታ ሃገር የመልክት።

ምስዚ ኣብ ሶርያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ሶርያውያን ሓተቲ ዑቕባ ንኤርትራውያን በሊጾም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክስርዑ ከምዝኽእሉ ትግመት።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ሃገራት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ኮይነን፣ ብፍላይ ብዙሓት ኢትዮጵያንውያን ነቲ ናይ ኤርትራ ኩነታት ብምምዝማዝ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሓቱ ብሰፊሑ ይንገረሉ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0