ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝርከብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክኽፈት ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ

ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝርከብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክኽፈት ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 December 2017

Adi keyh College

ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝርከብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ፣ ኣብ ጥሪ 2018 ክኽፈት ትጽቢት ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ምስ ምምዛዝ ሓድሽ ዳይረክተር ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፣ ተዓጽዩ ዝርከብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ፣ ጠንቂ መዕጸዊኡ፣ ብንጹር ክግለጽ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ትሕተ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ንምግባር ዝብል ምኽንያት’ዩ ተዋሂብዎ።

ብመሰረት ጀነራል ሃይለ ዝሃቦ መግለጺ ከኣ፣ ኮሌጅ ሓልሓል ኣብ ትሕቲ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ንምጽንባር ይስርሓሉ ከምዘሎን፣ እቲ ምዕጻው ናይዘን ኮለጃት ድማ ምስዚ ዝተተሓሓዘ’ዩ።

ትሕተ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ንምግባር፣ ኣሽሓት ተማሃሮ ዝሓቖፈ ኮሌጅ ንሓደ ናይ ትምህርቲ ወቕቲ ዝኣከል ክቕጾ ዘይንቡር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወትሃደራዊ መምርሒ ዝተመርኮሰ ምሕደራ ስርዓተ ትምህርቲ ግና ከምዚ ዓይነት ስጉምታት ከም ንቡር’ዩ ዝውሰድ።

ብወትሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮሌጃት ኤርትራ፣ ብዝሒ ደኣ’ምበር ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ የፍርያ ከምዘለዋ ከምዘየለዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝቀረበ ዜና ብሰፊሑ ተገሊጹ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ተማሃሮን መንእሰያትን ዓሲሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ድሌታት፣ ተደጋጋሚ እዋን ተቓውሞ ይጎሃሃር ብምህላዉ፣ መንንግስቲ ነዘን ኮሌጃት ጽኑዕ ቅጽጹር ይግብረለን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0