ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: April 30, 2014

Human Trafficker

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ሃብቶም መርሓይ ብ28 ለካቲት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ፣ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ኤርትራዊ ሃብቶም፣ ብመንገዲ ዱባይ፣ ደቡብን ማእከላይን ላቲን ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣቢሉ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ናብ ኣመሪካ ከምዘስገሮም’ዩ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ።

በዚ ሓደ ካብ ከብደቲ ገበናት እናተባህለ ዝግለጸ ዘሎ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተጠርጠረ ወዲ 47 ዓመት ሃብቶም፣ ብ25 ሚያዝያ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ ብኡ ንብኡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

 

ሃብቶም መርሓይ ኣብ ሞሮኮ ብተመሳሳሊ ክሲ ተጠርጢሩ ካብ ነሓሰ 2013 ኣብ ቀይዲ ከምዝጸንሐ’ውን እቲ ናይ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ጸብጻብ የመልክት።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብመንገዲ ዱባይን ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ብምቑጻር፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵውያንን ነፍሲ ወከፎም ነቶም ዘሰጋግርዎም ሰባት ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፍሉ ይንገር።

ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዜጋታቱ ፓስፖርት ከይሕዙ ዝኣገደ ምልካዊ ስርዓት ንከምልጡ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዝሓገዙ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቕሙ ኣብ ምጭዋይን ምሻጣን ዜጋታት ዝተዋፈሩ ብዙሓት ከምዘለው’ውን ይፍለጥ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0