ብውሕዱ 70 ዜጋታት ሱዳን ምስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ተጸንቢሮም

ብውሕዱ 70 ዜጋታት ሱዳን ምስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ተጸንቢሮም

Radio Erena : 13 October 2015

Sudan Is

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ብውሕዱ 70 ዜጋታት እታ ሃገር ምስቲ ኣብ ሶርያን ሊብያን ዝንቐሳቐስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ከምዝተጸንበሩ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ኣቐዲማ’ውን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተሓበረ ዜጋታታ ምስቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ጉጅለ ዳዒሽ ከምዝተጸንበሩ ጠቒሱ’ዩ

መበዛሕቶም እዞም ኣብ ሶርያ ናብ ዝርከብ ጉጅለ ዳዕሽ ተጸንቢሮም ዘለዉ ሱዳናውያን ናይ ሃገራት ምዕራብ ፓስፖርት ዝወነኑ ኮይኖም፣ ብመንገዲ ቱርኪ ኣቢሎም ናብ ሶርያ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝሕብር መግለጺ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን።

 

ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝዓበዩ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም ሓያሎ መንእሰያት፣ ምስዚ ኣብ ሊብያን ሶርያን ዝንቀሳቐስ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ተጸንቢሮም ምህላዉ ንምንጭታት ወትሃደራዊ ስለያ ብምጥቃስ ማዕናት ዜና ክሕብራ ጸኒሐን’የን።

ፈረንሳን ሩስያን ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዝመደበሩ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ጽዑቕ ደብዳብ ኣብ ምክያድ ይርከባ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0