ብዋንነት ገማግማ ባሕሪ ዝተሰሓሓባ ኬንያን ሶማልያን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ይቐርባ

Radio Erena: 19 September 2016

Kenya soma

ኬንያን ሶማልያን ብጉዳይ ምስሕሓብ ዋንነት ገማግማ ባሕሪ፣ ሎሚ 19 መስከረም ኣብ ኔረዘላንድ ከተማ ሄግ ናብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቀረባ ምዃነን ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።

መንግስቲ ሶማል፣ ብነዳዲ ሃብታም ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝርከብ ምስ ኬንያ ዘዳውብ ከባቢታት፣ ዋንነቱ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ብ28 ነሓሰ 2014 ናይ ይግብኣኒ’ዩ ጥርዓን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ ይዝከር።

መንግስቲ ኬንያ’ውን፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ልኡላዊ ክፋል ኬንያ ምዃኑ ብምሕባር፣ ንዋንነቱ ብዝምልከት ሰነዳትን ካልእ መርትዖታትን ብምቕራብ ኣንጻር እቲ ናይ ሶማል ጥርዓን ክከራኸር ጸኒሑ’ዩ።

 

እዚ ሶማል እትሓተሉ ዘላ ገማግም ህንዳዊ ውቕያኖስ ብውሳኔ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዋንነታ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ፣ ኬንያ ናይ ነዳዲ ዞባታት ኢላ ኣብቲ ገማግም ካብ ዝፈለየቶ 20 ነቁጣታት፣ ንሰለስተ ክትስእኖ’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0