ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ኣብታ ሃገር መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ

ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ኣብታ ሃገር መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ

Radio Erena : 06 February 2015

Mugfa

ዘዋሪ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረከበ ወዲ 90 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ከተማ ሃራረ ንደገፍቱ መደር ኣስምዑ ካብ መድረኽ እናወረደ ድሕሪ ምውዳቁ፣ ነቲ ስእሊ ዝቀረጹ ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ሰኣልትን ካሜራታቶም ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተመንጠሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ናይ መብዛሕቶም እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ፕረዚደንት ሙጋበ እናወደቐ ዝቐረጽዎ ኣሳእል ድሕሪ ምድምሳስ ካሜራታቶም ከምዝተመልሰሎም እኳ እንተሓበሩ፣ ሓያሎ ካልኦት ግና ነቲ ኣሳእል ብመንገዲ ኢንተርነት ክዝርግሕዎ ክኢሎም’ዮም።

 

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ብሰንኪ እርጋን ሃገር ከመሓድር ኣይክእልን’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ ግዜ፣ ዘዋሪ ኣቦ መንበርነት ናይቲ ‘መኣከቢ ጭፍራ ውልቀ መለኽቲ’ዩ’ እናተባህለ ዝዝረበሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ምርካቡ’ውን ነቲ ሕብረትን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዘተዓዛዘበ ምዃኑ ሓያሎ ተንተንቲ ክጠቕሱ ይነቕፉ።

ኣብ ኣኼባ ካቤኔን ካልእ ኣገዳስቲ ኣኼባታትን ብምድቓስ ዝልለ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰንኪ እርጋን ብዙሕ ምንቕስቓስ ተጸጊሙ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጸ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንደገፍቱ መደረ ድሕሪ ምስማዕ ካብ መድረኽ እናወረደ ምውዳቑ ከኣ ነዚ ሓቒ’ዚ ዘቃልዐ’ዩ ክብሃል ይስምዓ ኣሎ።

እዚ ፕረዚደንት ሙጋበ እናወደቐ ዘርኢ ስእልታት ኣብ ኢንተርነት ብዝሒ ተዓዘብቲ ረኺቡ ካብ ዘሎ ምዃኑ’ውን ዘ ጋርድያን ይጠቕስ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0