ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝተደገፉ መራሕቲ ሃይምኖት፣ ኣብ ኾሎት ንዝርከቡ መንአስያት ከካይድዎ ዝወጠኑ ናይ ጸሎት መደብ ፈሺሉ

ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝተደገፉ መራሕቲ ሃይምኖት፣ ኣብ ኾሎት ንዝርከቡ መንአስያት ከካይድዎ ዝወጠኑ ናይ ጸሎት መደብ ፈሺሉ

Radio Erena: 23 May 2016

Church Holo

መራሕቲ ሃይማኖት ናይታ ኣካል’ቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምእዘዝ ክፋል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾት ቤት ጸለት መድሃኔልኣለም እስራኤል፣ ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብጻሕ ዘካየደቶ ፈተነ ተቓውሞ ገጢሙዋ።

እቶም፣ ኣብ ትሕቲ’ቶም ካብ ሕጊ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዝተመርጹ ጳጳሳት እትመሓዳር ዘላ ቤተ ክርስትያን ዝእለዩ መራሕቲ ሃይማኖት እናዳመድሃኔኣለም እስራኤል፣ ብቀዳም 21 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ተቐይደምሉ ዝርከቡ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ኾሎት ብምኻድ፣ ናይ ምህለላን ጸሎትን መደባት ክሰርዕሎም እኳ እንተፈተኑ፣ እቶም ኤርትራውያን ብዘካየድዎ ተቓውሞ ግና እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተልእኾኦም ከይፈጸሙ ከምዝተመልሱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

 

እዞም መራሕቲ ሃይማኖት መሳርሒ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስደትን ውርደትን ጌርዎ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፣ ብስም ጸሎተ-ሰንበት ፖለቲካ እናሰበኹ መንእሰያት ከታልሉ ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ፣ ኤርትራውያን ካብ ኾሎት፣ ብመንገዲ ኣብ ኾሎት ዝርከቡ ኣባላቶም ኣቢሎም’ውን፣ መንእሰያት ንፍትሒ ከይቃለሱን ይጉስጉሱ ምህላዎም’ዮም ዝገልጽይ።

ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ብዝልኣኾ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣንጻሪ ተልእኾ መራሕቲ ሃይማኖት እናዳመድሃኔኣለም ናብ ኾሎት ተቓውሞ ዝወደቡ መንእሰያት፣ እዞም ምስ ብህግደፍ ዝተወከሉን ንህግደፍ ከኣ ዝጣበቑን መራሒ ሃይማኖት ኣየድልዩናን’ዮም ብምባል ነቲ ዝሰርዖዎ መደብ ከምዝስረዝ ምግባሮም’ውን መርኣያ’ቲ ኣብ ኾሎት ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ጸቕጢ ዘለዎም ጽንዓትን ተጻዋርነትን ዘርኢ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ቀጽሪ ኾሎት ናይ ቴንዳ ኣዳራሽ ብምዝርጋሕ ኣምኢት መናብር ኣዳልዮም ዝነበሩ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፣ ብሰንኪ’ቲ ዝገጠሞም ተቓውሞ ዝወጠንዎ መደብ ከየሰላሰሉ፣ ቴንዳኦም ኣፍሪሶም መናብሮም ኣኪቦም በተን ዝመጹለን ኣውቶቡሳትን መካይንን ተመሊሶም ኣለዉ።

እቲ ብስም መራሕቲ ሃይማኖት ክካየድ ዝተወጠነ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ፣ ብደገፍ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝተወደበ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ስርዓት ህግደፍ፣ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ብሓይሊ ካብ መነፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምእላይ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ፍኑው ዝኾነ ምትእትታው ይፍጽም፣ ጳጳሳታ ይኣስር፣ ካህናታ ካብ ኣገልግሎት ይሰጉጕን ንዲያቆናታ ከኣ ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ የግድድን ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣቡነ እንጠንዮን ናብ መንፈሳዊ ቦታኦም ክምለሱ ብምጽዋዕ ንፍኑው ምትእትታው ህግደፍ ዝቃወሙን፣ ንህግደፍ ዝምእዘዙ ብዝተራእየ ምክፍፋል፣ ኣብ ክልተ ደምበታት ተጊምዓ ትርከብ።

 

============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0