ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ መጓዓዝያ መሬትን ኣየርን ኢትዮ- ጂቡቲ ዳግም ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 10 August 2020

ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናብ ንቡር ንጥፈታቱ ክምለስ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሓ ኣፍሊጠን።

ድሕሪ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ፣ ናይ መሬትን ኣየርን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ናብ ጂቡቲ ከምእትጅምር ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ዲና ሙፍቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት’ውን፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ተቋሪጹ ንዘሎ ናይ መሬትን ኣየርን መጓዓዝያ ንምጅማር ተመሳሳሊ ስምምዓት ንምክያድ መደብ ከምዘሎ እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ መዝጊባ ዘላ፣ ብኣስታት 22 ሽሕ ኢትዮጵያ ክትከውን እንከላ፣ ሓደ ሚልዮን ዘይበጽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ’ውን ልዕሊ 5, 300 መልከፍቲ ምምዝጋባ፣ ቀሊል ቁጽሪ ኣይኮነን።

እዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ዝመዝገባ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናይ መሬትን ኣየርን መጓዓዝያ ክኽፈት ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓሉ ምኽንያት፣ 95% ሰደድን እታውን ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ስለዝሙርኮስ’ዩ።

ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብጂቡቲ ጥራይ ተባሒቱ ዝርከብ ናይ ሰደድን እታውን መስመራት፣ ብወደባት ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማሊላንድን ንምትክኡ መደባት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0