ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተደናጉዩ ዘሎ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ክኽትሞ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተደናጉዩ ዘሎ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ክኽትሞ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 18 September 2015

EU eritrea

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ንምብርካት፣ ኣብዚ ዝመጽእ እዋርሕ ስምምዕ ክኽተም ትጽቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ሕበርት ንመንግስቲ ኤርትራ ክልግሰሉ ዝወሰነ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ፣ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሰንኪ ዝቀረብ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ኤርትራ ዝገልጽን ንሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳን ዝቃወምን ወቐሳታት፣ ነቲ ስምምዕ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ኣደናጉዩዎ ከምዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ሕብረት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። 

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኣብ ኤርትራ ገዚፍ ልምዓታዊ መደባት ብትእትታው ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣር ሓጋዚ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣስታት 300 ሚልዮን ኤውሮ ክህብ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

 

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒን ካልኦት ኣካላት ብወገኖን ንሓገዝ ህብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምቅዋም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓናት፣ ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ደኣ’ምበር፣ ስእነት ስራሕን ምስ ቁጠባን ልምዓትን ዝተተሓሓዘ ከምዘይኮነ ብምርግጋጽ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ኣተሓሳሲቦም’ዮም።

ኣብዚ ዝሃለፈ ሰሙን ካብ ብራስለስ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ ድማ፣ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትር ዝህቦ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ልምዓታዊ ሓገዝ ባዕሉ ክቆጻጸሮን ከመሃድሮም ከምዝደሊ ብምግላጹ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ውድኡ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይክኣለ የነጽር።

ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻሊ ዝርርባት ከምዘካይዱን ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዛብ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ፍሉይ ዑደት ከምዝተሰርዓሎምን ይዝከር።

ነዚ ዘረጋገጸ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምዕባለን ነቨን ሚሚካ ድማ፣ እቲ ንኤርትራ ተሰሊዑ ዘሎ ገንዘብ ኣካል ናይቲ ንኣፍሪቃ ተመዲቡ ዘሎ ናይ 1.8 ቢልዮን ኤውሮ ህጹጽ ሓገዝ ምዃኑ ኣስሚሩ።

ብፍላይ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዜጋታተን ናብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ይስደዱ ምስም ምህላዎም፣ ነዚ ዋሕዚ’ዚ ንምግታእ እቲ ፍርቂ ቢልዮን ኤውሮ ናብዘን ሃገራት ዝዓለመ’ዩ።

እቲ 2 ሲሶ ካብዚ ድማ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከቕንዕ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0