ብሰንኪ ተደጋጋሚ ሓደጋታት፣ ካብ በረራ ደው ኢለን ዝጸንሓ ቦይንግ MAX 737 ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዳግም ክጅምራ ተኽእሎ ከምዝሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 October 2019

ኩባንያ ቦይንግ፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ካብ በረራ ደው ኣቢሉወን ዝጸንሐ ቦይንግ MAX 737 ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፣ ዳግም ናብ ስራሕ ከዋፍረን ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ 10 መጋቢት 2019፣ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ሓንቲ ካብዘን ነፈርቲ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ፣ 5 ደቃይቅ ከይበረረት ወዲቓ ብምሕምሻሻ 157 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ 29 ጥቅምቲ 2018፣ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ፣ ካብ ኢንዶነዥያ ከተማ ጃካርታ፣ ተበጊሳ 13 ደቓይቅ ጥራይ ምስ በረረት ድሕሪ ምውዳቓ 189 ሰባት ለኪማ።

ኣብ ናይ ሓሙሽተ ኣውርሕ ግዜ ፍልልይ ጥራይ፣ ኣብ ቦይንግ MAX 737 ዝዓይነተን ተመሳሳሳሊ ሓደጋ ዘስተብሃለ እቲ ኩባንያ፣ ምጽራይ ክሳብ ዝገብር ካብ በረራ ደው ኣቢሉወን’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ እቲ ኩባንያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ናብ በረራ ንምውፋረ ምጽፋፉ ወዲኡ ከምዘሎ ይጥቀስ።

እቲ ጉዳይ ገና ኣብ ክርክር እኳ እንተሎ፣ ሓላፊ ቦይንግ ደኒስ ሙለንቡርግ ግና ቀዳምነታትና ውሑስ ምምላስ ማክስ 737 ናብ ኣገልግሎት’ዩ ብምባል፣ ቀጻሊ ምዕባለታት ንምትእትታው ንሰርሓሉ ኣለና ክብል ኣብሪሁ።

ኩባንያ ቦይንግ፣ ንቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ፣ ንነፍሲ ወከፍ 144,500 ዶላር ክኽሕስ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ገሊጹ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0