ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንውጥን ስድራቤት ዝውዕል 90 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 12 July 2017     

ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንውጥን ስድራቤት ዝውዕል ናይ 90 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ሰሊዓ።
       ክፍሊ ኣህጉራዊ ምዕባለ ብሪጣንያ ብዕለት 12 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ናይ 90 ሚልዮን ፓውድ ሓገዝ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኢትዮጵያ ንደቀንስትዮ ዘገልግሉ ናይ ጥዕና ማእከላት ዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ኣብ ውጥን ስድራቤት ዝሕግዝ ኣገልግሎታት ኣብ ምምዕባልን ምህናጽን ዝውዕል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

         ብውጥን ዝምርሓ ስድራቤታት ምብዛሕን፣ ኣፍልጦ ደቀንስትዮ ኣብ ምዕባይን ሓያል ጻዕሪ እንተተኻዪዱ፣ ዘይተደልየ ጥንሲ ኣብ ምጉዳል ዕዙዝ ተራ ስለዝጻወት ቁጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናህሪ ካብ ምዕባይ ኣበርክቶ ክህልዎ ንትስፎ ክብል ካብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ምዕባለ ብሪጣንያ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።
         ቁጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ከባቢ 50 ሚልዮን ዝነበረ፣ ኣብ 2016 ብዕጽፊ ብምውሳኽ ናብ 102 ሚልዮን ምድያቡ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0