ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ተጠንቕቕ

ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ተጠንቕቕ

Radio Erena: 06 September 2017

FCO

ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ክጥንቐቑ ጸዊዓ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር (FCO) ብሰኑይ 04 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መጠንቕቕታ፣ ኩሎም’ቶም ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታታ ብሪጣንያ፣ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘዋስን ከባቢታት ከይንቀሳቐሱ ተማሕጺኑ።

እቲ ክፍሊ ነዚ ምሕጽንታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ብሪጣንያ ካብ ኣስመራ 25 ኪሎሜተር ወጻኢ ክንቀሳቐስ ስለዘይፍቀደሉ፣ ካብዚ ክሊ’ዚ ወጻኢ ንዝበጽሑ ዜጋታቱ ዝኾነት ዓይነት ኣገልግሎት ክህቦም ከምዘይክእል ብምጥቃስ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኤምባሲ፣ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ዘእቱ መስርሕ ቪዛ ኣቐዲሞም ከሳልጡን፣ ካብ ሃገር ኣብ ዝፋነውሉ ድማ ልዕሊ 500 ናቕፋ ምውጻእ ስለዘይፍቀድ ክጥንቀቑን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ፣ ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ወጻኢ ንዜጋታቱ ክሕግዘሉ ዝክእል ባይታ ጸቢብ ምዃኑ ደጊሙ ብምዝክኻር ኣብ 2016 ንሽዱሽተ ዜጋታቱ ክሕግዝ ምኽኣሉ ግና ጠቒሱ።

ናይ ብሪጣንያ ይኹን ካልኦት ሃገራት ዜግነት ዝወሰዱ ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ቪዛ ሓቲቶም እንተዘይኣትዮም’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝእሰርሉ ይኩን ካልእ ጸገማት ምስ ዘጋጥሞም፣ ኤምባሲታት ናይተን ዜግነት ዝሃብኦም ሃገራት ክሓታሎም ከምዘይክእላ’የን ዝገልጻ።

ነዚ ንምውጋድ፣ ናብ ኤርትራ ዝገይሽ ዝኾነ ዜጋአን ብቪዛ ክገይሽን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ ከኣ ብዝቀልጠፈ ናብ ኤምባሲኡ ክሕብርን’የን ዝምዕዳ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካ፣ ሽወደን፣ ጀርመንን ኢጣልያን ዜግነት ዘለዎም ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ቪዛ ከይሓተቱ፣ ብናይ ኤርትራ መንነት ወረቐት ጥራይ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም ተኣሲሮም ደሃዮም ከምዝጠፍአ ዝፍለጥ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0