ብሪጣንያ፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክልተ ኣምባሳደራት ቀይራ

Radio Erena: December 20, 2013

 

ብመንገዲ ኩባንያታት ዕደና ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስቱር ንግዳዊ ዝምድና ከምዘለዎ ዝንገር መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ንኻልኣይ ግዜኡ ይቕይር ምህላዉ ተፈሊጡ።

ካብ ሚያዝያ 2012 ኣትሒዛ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኮይና ዝተመደበት፣ ዶክተር ኣማንዳ ሱሳን ታንፊልድ፣ ካብ ግንቦት 2014 ብሓድሽ ኣምባሳደር ክትትካእ ምዃና ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

 

ሓድሽ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ዳቪድ ሃዋርድ፣ ኣብ ሃገራት ኤስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ጃፓንን ቻይናን ኣብ ሓያሎ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ንጥፈታት መንግስቲ ብሪጣንያ ዝሰርሐ’ዩ።

እታ እምባሳደር ድሕሪ ምምዛዙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዝምድና ኤርትራን ብሪጣንያን ንምድልዳል ክሰርሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ብሪጣንያ፣ ብመንገዲ ሓያሎ ናይ ዕደና ኩባንያታታ ኣቢላ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ፓርላማን እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0