ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ዜጋታታ ብጉዳይ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣሐዲሳ

ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ዜጋታታ ብጉዳይ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣሐዲሳ

Radio Erena: 20 November 2017

UK

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ዜጋታቱ ብጉዳይ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት ኣቀዲሙ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣሐዲሱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብሓሙስ 16 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መዘኻከሪ፣ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታት ብሪጣንያ ካብታ ሃገር ኣብ ዝወጽሉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ከይሕዙ ኣጠንቂቑ።

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ሒዙ ክወጻእ ዝተረኽበ ሰብ፣ እቲ ገንዘቡ ከምዝህገርን፣ እቲ ብዝሒ ባጤራ ናቕፋ ልዕሊ 5 ሽሕ እንተኾይኑ ድማ ናብ ሕጊ ክቀርብ ምዃኑን ዘነጸረ መዘካኸሪ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝወጸ ሕጊ ከኽብሩ ተላብዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ዝኾነ በጻሒ፣ ካብታ ሃገር ኣብ ዝወጸሉ ልዕሊ ሓደሽ ሽሕ ናቕፋ ካብ ሃገር ከየውጽእ’ዩ ዘጠንቅቕ።

ብሪጣንያ ነዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲማ ንዜጋታታ ኣብ ዝዘርግሓቶ መዘኻኸሪ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ፣ ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ከይንቀሳቐስ ብመንግስቲ ስለዝተደረተ፣ ካብዚ ቦታ እዚ ወጻኢ ንዝንቀሳቀሱ ብሪጣንያውን ዝኾነ ጸገም እንተጋጢምዎም ህጹጽ ሓገዝ ክገብርረሎም ከምዘይክእል’ዩ ኣነጺሩ።

ኤምባሲ ብሪጣንያ ብተወሳኺ፣ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ዜጋታቱ ሓገዝ ክገብረሎም ዝኽእል ብናይ ብሪጣንያ ፓስፖርትን ሕጋዊ መእተዊ ቪዛን ናብ ኤርትራ ምስ ዝኣትዉ ጥራይ ምዃኑ የዘካኽር።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0