ብረት ዝዓጠቑ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ ኣብ እትርከብ ቁሸት ብነበርቲ ዓዲ ተታሒዞም ናብ ሰራዊት ሱዳን ተረኪቦም

ብረት ዝዓጠቑ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ ኣብ እትርከብ ቁሸት ብነበርቲ ዓዲ ተታሒዞም ናብ ሰራዊት ሱዳን ተረኪቦም

Radio Erena: 01 October, 2014

Al hafir

ብረት ዝዓጠቑ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣልሓፋይር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከሰላ ብነበርቲ እቲ ዓዲ ተታሒዞም ናብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝተረከቡ ምንጭታት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ምሉእ ዕጥቖም ናብታ ኣብ ከባቢ ከሰላ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ኣልሓፋይር ዝኣተውሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ መንግስቲ ሱዳን ንኩነታቶም የጻርዮ ከምዘሎ’ዩ ተገሊጹ።

 

መርበብ ሓበሬታ ኣናጋዛዊ ብጌጋ ዝኣተዉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እኳ እንተገለጸ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ከባቢ ከሰላ ክጨዮም ንዝደሊ ስደተኛታት ንምህዳን ሰሊኾም ዝኣተዉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን ግምታት ይወሃቦ’ዩ።

ኣብ ሱዳን ዑቕባ ንምሕታት፣ ክሳብ’ቲ ናብ ዑቕባ ዝሓትሉ ቦታ ዝበጽሑ ክወርዶም ካብ ዝኽእል ናይ ምጭዋይን ካልእን ሓደጋታት ነብሶም ንምክልኻል ምስ ብረቶም ዝተበገሱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ክኾኑ’ውን ይኽእሉ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0