ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይካይድ ኣሎ

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይካይድ ኣሎ

Radio Erena: 03 October, 2014

Lampp

ዓመቱ ናይቲ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳ ንምዝካር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ስድራቤታት ግዳያት ናይ ዓመት ተዝካርን ጸሎተ ፍትሓትን ብምድላው፣ ነዞም ገና ሬስኦም ንቡር ቀብሪ ዘይረኸበ ዘሎ ኤርትራውያን ክዝክርዎም እንከለዉ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤአርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድማ ‘ንስኻ እንተዘይትድፈኣኒ መን መጽደፈኒ እናበሉ፣ ጠንቂ ዋሕዚ ስደተ ኤርትራውያንን ሳዕቤናቱን መንግስቲ ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ክግታእ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽን ምጉዕጻጽ ፍትሕን ክእለ ኣለዎ ክብሉ ይገልጹ።

 

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መላእ ዓለም ዘሕዘነ ናይ ላምፔድኡሳ ሓደጋ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት እዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብውሕዱ 3 ሽሕ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት ክጥሕሉ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ጸብጻባት ኢጣልያ የመልክት።

ኣብ ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ 360 ኤርትራውያን ሬስኦም መንግስቲ ኤርትራ ብእኩብ ክርከቦም ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ሲሲልያ ኣብ ዝርከብ ጋህሲ’ዮም ተዓጽዮም ዘለዉ።

ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ሬሳ ኤርትራውያን ንምርካብ ፍቓደኛ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ እኳ እንተዘርግሐ፣ በብሓደን ብሕቡእን ስድርኦም ክቕበልዎም እንተዘይኮይኑ፣ ሬስኦም ብሓባር ናብ ኤርትራ እንተኣትዩ ተቓውሞ ከለዓዕል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብልል ስግኣት ብእኩብ ክቕበሎም ፍቓደኛ ከምዘየለ’ዮም ምንጭታት ካብቲ ኤምባሲ ዘመልክቱ።

ኢጣልያ’ውን ስድራቤታት ግዳያት ላምፔዱሳ፣ ሬሳ መቕርቦም ብምልላይ ክወስድሉ ዝኽእሉ ባይታ ንምፍጣር ብኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድፍኢት ይግበረላ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 150 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጅልባ ብሕእገዝ ነዳዲ እተመላልስ ናይ ኣመሪካ መርከብ ክትድሕን ከምዝኸኣለት ይግልለጽ ኣሎ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0