“ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን’ዩ፣” ብምባል መንግስቲ ኢጣልያ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ’ዩ

“ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን’ዩ፣” ብምባል መንግስቲ ኢጣልያ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ’ዩ

Radio Erena: 22 July 2016

Meda

“ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ’ዩ፣” ብምባል መንግስቲ ኢጣልያ ብጌጋ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ቤት ፍርዲ ከተማ ፓሌርሞ ወሲኑ።

እቲ መድሃኔ ተስፋማርያም ዝተባህለ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ መንእሰይ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ ብቴሌፎን ናይ ዝተለዋወጦ መልእኽታት፣ ምስ ናይ መድሃኔ መርእድ ሓደ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክሳብ ዝጻረ’ውን፣ ቤተሰቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይበጽሕዎ ተኸልኪሉ ምህላዉ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ይጠቕስ።

 

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ግፋ ስደተኛታት ብ29 ግንቦት ኣብ ካርቱም ዝተታሕዘ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፣ እቲ ብምስግጋር ስደተኛታት ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ’ዩ ኢሎም ብ7 ሰነ ናብ መንግስቲ ኢጣልይ ከምዘረከብዎ ይዝከር።

እቲ ብጌጋ ኣብ ኢጣልያ ተቐይዱ ዘሎ ተራ ስደተኛ፣ ብዝቀልጠፈ ክፍታሕ ጠብቕኡ ይካታዕ እኳ እንተሎ፣ ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ ግና እቲ ዝህደን መድሃኔ ንሱ’ዩ ኣብ ዝብል እምነት ጸኒዑ ምህላዉ ይፍለጥ።

መድሃኔ ተስፋማርያም ተኣሲሩ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተወሉ ኣብዚ ወርሒን ክልተ ቕነን ብውሕዱ 3 ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0