ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ይበጽሕ

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ይበጽሕ

Radio Erena: 18 March 2019

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት ናብ ዋና ከተማ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ድሕሪ ምእታውይ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ክዘራረብ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ከም መቕጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተነጽሎ ንምውጻእ ጀሚርዎ ዘሎ ዞባ ምብጻሕ ምዃኑ ይግለጽ።

ልኡኽ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ሞቛድሾ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ጉዳያት ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሶማል፣ ውሕስነት ኣገልግሎት ወደባትን ካልእ ክልትኣዊ ጉዳያት ኣብ ዝዘተይሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣካል ፈደራላዊት ሶማል ክነሳ፣ ምስ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምሽራኽ ወደባታ ንኽራይ ኣቕሪባቶ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0