ብመንግስቲ ዝውነና ሜድያ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ጸጥታ ከምዝፈረሰ ዘቕረብኦ ዜና ሓሶት ምዃኑ እቲ ክልል ገሊጹ

Radio Erena: 26 May 2020

ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ጸጥታ ብምፍራሱ፣ ክልላዊ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ነበርቲ ሓቲቶም ክብላ ኣቃሊሐን።

ነዚ ብሜድያ መንግስቲ ብ24 ግንቦት ዝተፈነወ ዜና፣ ሓያሎ ማዕከናት’ውን ደጊመ ከቃልሕኦ ይስምዓ ኣለዋ።

እንተኾነ፣ ክፍሊ ርክባት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ትማሊ 25 ግንቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብሜድያ መንግስቲን ካልኦትን ዝተጋውሐ ዜና፣ “ጉልቡብ ዕላማ ዘለዎ፣ ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ’ዩ” ክብል ነጺግዎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ እቲ ዜና፣ መቀጸልታ ናይቲ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተጀመረ፣ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ዝዓለመ ዘመተ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቱ ክዕጾ ንዝወጀ ኣዋጅ ዝጠሓሰ መንእሰይ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ክስማዓ ጸኒሑ’ዩ።

ሜድያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣብ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኡን፣ ህዝቢ መሰሉ ክሕለወሉ ዝጠለብ ሰለማዊ ሰልፍታት ከምዘካየደ’ዩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይቲ ክልል ዝተኻየደ ሰልፊ ከምዘየለ ብምጥቃስ፣ ነቲ በተን ሜድያ ዝቐረበ ዜና፣ “ሕልሚ ቀትሪ” ብምባል ገሊጽዎ።

ብዘይካ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ዝበዝሐ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተጓሃሃረ ናይ ብሄርን መንነትን ግጭታት፣ ጸጸኒሑ’ውን ይነቱግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ፣ እቲ ናይ ብሄርን መንነትን ግጭታት ክዓርግ ከምዝኽእል ተገሚቱ እኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ኣሰጋጊርዎ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0