ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ኣቶ ዩፍታሄ ዲሜጥሮስ ተሰጕጉ

ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ኣቶ ዩፍታሄ ዲሜጥሮስ ተሰጕጉ

Radio Erena: 10 October, 2014

Dim

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣምሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝነበረ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡ ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ከምዝሰጎጎም መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፣ እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክእለዩ፡ ገዳማት ኤርትራ  ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም እዩ።

ገዳማት ኤርትራ ኣብ ዘቅረብዎ ጥርዓን፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ንዓሰርተ ዓመታት ዝተጎዓዝዎ ጉዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ሃስያ ከም ዘውረዱ ብምጥቃስ፥ ኣብ ርእሲኦም ዳግማይ ውግዘት ስለዝተገብረ’ዩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝተገልጸ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ብዝመዘዞ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ከምዝወረደ ዝጠቐሰ ሓበሬታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፣ ብሰንኩ ማእለያ ዘይብሎም ካህናት ካብ ቤተ ክርስቲያን ክስጐጉ እንከለዉ፡ መነኮሳት ድማ ገዳሞም ሓዲጎም ከምዝተሰዱን ካህናትን መነኮሳትን ፈቐዶ ቤትማእሰርትን ጎዳጉድን ከምዝተዳጎኑን ይገልጽ።

ሕጋዊ መራሒ ቤተ ክርትያን ተዋህዶ፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ሕጊ ካብ መዓርጎም ወሪዶም ኣብ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ’ውን ድሮ ሸሞንተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0